ኤርትራ፡- በሰላ ምድኻም ንኣሽቱን ስድራ-ቤታውያንን መስራሕቲ ትካላት

cropped-2121ብህላዌ ሰናይ

ድሕረ-ባይታ

ንዋኒነ ንግድን መሃዝነትን ኤርትራውያን ኣብ ዝምልከት ጉዳይ ብዙሕ ጊዜ ዝደጋገም ብሂል ኣሎ።  ብፍላይ ኣብ ጐረባብቲ ሃገራት ከም ባዓል ኢትዮጵያ፣ ሱዳን፣ ኬንያ፣ ኣንጎላ፣ ኡጋንዳን፣ ወዘተ ብዙሕ ይነጥፉን ኣብ ብዙሕ ትካላዊ ዋኒናት ይዋስኡ ኔሮምን ኣለውን ተባሂሉ ብኹርዓት ክንገርን ክጋዋሕን ንሰምዕን ንዕዘብ ኢና። ብመንጽር ንህዝብና ዝህቦ ጠቕሚ ክምዘን ከሎ ግን ብዙሕ ዘተሓሳስብ ኢዩ። ካብ ኣብ ወጻኢ ኰንካስ ኣብ ሃገርካ ኰንካ ክትነግድን፣ ክትንቃሳቐስን፣ ከተመስርሕን ከምኡውን ኣብ ዋኒነ መሃዝነት (Entrepreneurial Innovation) ክትነጥፍን  ዘሎ ፍልልይ ናይ ሰማይን መሬትን ኢዩ። ንዝኾነ ትካላዊ ምንቅስቓስ ወይ ንጥፈት ናቱ ንድሕሪትን ንቕድሚትን ተመጢጡ ዝተሓሓዝን ዝዋሃሃድን ቁጠባዊ ርክባት ኣሎዎ (backward and forward economic interaction links)። ንኣብነት ሓደ ናይ መገጣጠሚ ትካል ምስ ዝምስረት፣ ነቲ መስርሕ ዘድሊ ቀረባት ዘመስርሓ፣ ዘዳልዋ ከምኡውን ዘቕርባ ትካላት ከድልያ እየን። ነቶም ኣብተን ትካላት ዝዓዩ ሰራሕተኛታት እውን ንመነባብሮ ዘድልዮም ኩሉ ዘቕርባ ኣመስራሕትን ወሃብቲ ኣገልግሎትን ትካላት ክህልዋ እየን። ከምኡ እንዳበለ ድማ ንኩሉ መዳያዊ ቁጠባ ሃገር ብዘህጥር ኣገባብ ይቕጽል።

እዚ ኣቲ ቀንዲ ዳይናሚካዊ መስርሕ ምዕባለ ሃገራዊ ቁጠባ ኢዩ። ከም ኣብ ኩለን ቁልጡፍ ምዕባለ ብቐጻሊ ዘመዝገባ ሃገራት፣ ተራ ናይተን ንኣሽቱን ስድራቤታውያንን ትካላት (Small and family businesses or ventures) ዕዙዝ ኢዩ። እዘን ከም ንኣሽቱን (Small Businesses)  ዝፍለጣ ትካላት ኣብ ናህሪ ኩሉ መዳያዊ ሃገራዊ ምዕባለ ዘለወን እጃም መዳርግቲ የብሉን። ኣብ ኩለን ሃገራት ካብ ተስዓ ሚእታዊ ንላዕሊ ብዝግመት ዓብለልቲ እየን። ካብአን ድማ፣ እተን ስድራቤታዊ ትካላት ብፍላይ ኣብ ምዕቡላት ሃገራት ግኑናት እየን። ስለዚ ንዘን ትካላት  ቀዳምነት ሂብካ ምትብባዕን፣ ሓጋዚ ትሕተቅርጺ ምምዕባልን ኣዝዩ ኣድላዪ ኢዩ።

ታሪኽ ናኣሽቱ ስድራ-ቤታውያን ትካላት ንግዲ ኤርራ

ከም እንፈልጦ ጂኦግራፊያዊ  ኣቀማምጣን ክሊማያዊ ኣቀራርጻን ምድሪ ኤርትራ ኣዝዩ ተባሃጊ ስለዝኾነ ካብ መበል 18 ክፍለ ዘመን ጀሚሮም ገዛእቲ  ሓይልታት ብተዳጋጋሚ ኣርዑት መግዛእቶም ንኽጸውርን ምዝመዛኦም ንምጥጣሕን ንህዝብና   ኣዋሪዶሞን ዲሂኾሞን እዮም። ርግጽ ኢዩ ባዕዳዊ መግዛእቲ ብኣጠቓላሊ ክምዘን ከሎ ኣብቲ ግዝኣቱ ነበር ዝገድፎ ክፉእ ውርሻዊ ተርእዮ ሕማቕን ሓደገኛን ኮይኑ ግን ሓደ ሓደ ኣዝዩ ጽቡቕ ዝኾን ሓድግታትውን ይገድፍ ኢዩ። ንኣብነት ኣብ ኤርትራ ካብ መግዛእቲ ጥልያን ብሰፊሑ ካብ ዝተወርሱ ጽቡቕ ሓድግታት ሓደ-መንቋሕቋሕታ ናይ ንኣሽቱን ስድራ ቤታዊ ትካላዊ (ወይ ዋኒናዊ) መሃዝነት (Small and familty Businesses and Entrepreneurial Innovation and acumen) ኢዩ።

ህዝቢ ጥልያን ካብ ነዊሕ ጊዜ ኣትሒዙ እቲ ቀንዲ ዝፍለጠሉ ኣምር ምውናን ክእለትን ብቕዓትን ኣብ ንኣሽቱን ስድራቤታዊ ትካላዊ (ዋኒናዊ) መሃዝነት ኢዩ ። ኢጣልያዊያን ወለዲ ንደቆም ካብቲ ኣብ ቤት ትምህርቲ ከይዶም ዝመሃርዎ ዝያዳ ኣብ ገዛ ዝምህርዎም ተግባራዊ ጥበባት ይበዝሕ። ንኣብነት እቶም ወለዲ ኣብ ስርሓት ንግዲ ዝነጥፉ ወይ ዝተዋፈሩ እንተኾይኖም፣ ነቶም ደቆም ገና ብንእስነቶም ከለዉ በቲ ዝግባእ መንገዲን ምልኣተ ሕልናን የዋስእዎም ብተግባር ድማ እቲ ንነዊሕ ጊዜ ዝሰልጠንሉን ዝዓበይሉን ሞያ ናብ ደቆም ከም ዝሰርጽ ይገብሩ።

ስለምንታይ ኢዩ እዚ ኣምጺኤዮ?

ኣብ ኤርትራውን ብትሑት ዓቕሚ ድኣ ይኹን እምበር እዚ ሞያዊ ባህሊ’ዚውን በብደርጃኡ ይትግበር ከምዝነበረ ይፍለጥ። ምውናን ዋኒናውን ሞያውን ክእለት ካብቲ ዝዓበየ ስጋብ’ቲ ዝነኣሰ  ኣብ ቤት ትምህርቲ ኬድካ ኣብ ክፍሊ ኮፍ ኢልካ ተማሂርካ ዲፕሎማን ዲግሪን ዓቲርካ ጥራይ ዝመስሎም ብዙሓት ሰባት ኣሎው። ዋኒናውን ሞያውን  ክእለት ዝጥረ ካብ ብዙሕ ረቛሒታት ኢዩ።  ካብ ልምድን ተሞክሮን፤ ከባብያዊ ጽልዋ፣ ሓድግታት፣ ሓፈሻዊ ስነ-ፍልጠት፣ ከምኡውን እቲ ፍሉጥ ስሩዕ ሞያዊ ስልጠና፣ ወዘተ ኢዩ ዝድንፍዕ። እንተስ ብማዕበያ፤ እንተስ ብውርሻ ንሕና ኤርትራዊያን’ውን ብኢደ-ጥበባዊ ዋኒነ ስራሓት ብልጫታት ኔሩና ኢዩ ብመንጽር ከባቢና ክረኤ ክሎ ማለት ኢዩ። ናይዚ ሓቅነት ዝምስክሩ ብዙሓት ታሪኻዊ ጭብጥታትን ውጺኢታትን ኣለው። እንተኾን ኣብዚ  እዋን እዚ ዓቂብናዮዶ አሎና ኢልና ክንሓትት ሃገራዊ ግቡእናን ሓላፈነትናን ኢዩ። እቲ መልሲ ኣይዓቀብናዮን ኢዩ። ብዝያዳ ተዳኺሙ ይርክብ። ኣብ ዝሓለፉ 26 ዓመታት ንምዕባለ ንኣሽቱን ስድራ ቤታዊ ትካላት ብመንግስታዊ ምሕደራ ዝተወስደ ብቑዕን ኣድላይን ስጉምቲታት ኣዝዩ ድኹም ኢዩ፣ ዝወጸ ፖሊሲታት እንተሃለወ እውን ስጋብ ሕጂ ብግብሪ ዘየድመዐ ትሑትን ውሑድን ኢዩ። ፍሉይ ጠመተ ነዚ ቁጠባዊ ጽላት እዚ ከም ዘድልዮ ኣብ ቀዳምነት ግንዛበ መንግስታዊ ምሕደራ ኣይተኣታተወን።

ተራ ዝምልከቶም ኣካላት ንዕቤት ናኣሽቱን ስድራ-ቤታውያንን መስራሕቲ ትካላት

ዝምልከቶም መንግስታዊ ትካላት እዚ ኢልካ ብፍሩይ ክጥቀስ ዝከኣል ሓጋዚ ስጉምቲታት ኣይወሰዱን። ብሓፈሻ ንቑልጡፍ ዕቤት ናይ ስድራ ቤታዊ ትካላት ንግዲ ዝሕግዝ ሃዋሁው ኣይተፈጥረን ከምኡውን ኣይተዋደደን። እዚ ኣብ ምድኻም እዘን ዋኒነ ትካላት ገዚፍ ኣስተዋጻኦ ጌሩ ኢዩ። ብቐጻሊ ድማ ይገብር ኣሎ። እቲ ከም ወራሲ ኮይኑ ነቲ ስድርኡ ዝገደፍሉ ትካል ከማዕብል ዝግብኦ መንእሰይ ወለዶ ክወርስ ዕድል ኣይረኸበን። ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ብዘለው ተስፋ ዘይህቡ ደፋእቲ ረቛሒታት (Internally instigated push factors)፡ ከምኡውን ካብ ሃገር ወጻኢ (ብፍላይ ኣብ ዝማዕበላ ሃገራት) ብሕልማዊ ምቁር ሕብስቲ ዘወናዉኑ ሰሓብቲ ረቛሒታት (Externally instigated pull factors) ምኽንያት ብብዝሒ ካብታ ዝፈትዉዋ ዓዶም ሃጽ ኢሎም ስለ ዝተሰዱ፣ እተን ንኣሽቱን ስድራ ቤታውያን ትካላት ንግዲ ካብቶም ትጉሃት ወለዲ ናብቲ ዝመጽእ ወለዶ ብምምሕልላፍ እንዳ ዓበያ ኣብ ክንዲ ዝኸዳን፣ ንሃገራዊ ማሕበረ-ቁጠባዊ ዕቤት  በቲ ዝድለ ዘበርክታን፣ ብኣንጻሩ ብዙሓት ካብአን በሪሰንን ተዓጽየንን ከምዘይነበራ ኮይነን ኣለዋ።

ሓደጋ ምብራስን ዘይምስሳንን እዘን ንኣሽቱን ስድራ-ቤታውያንን መስራሕቲ ትካላት

እቲ ሓደጋ ነዚ መጻኢ ወለዶ ክትግምቶ እውን ዘሸግር ኢዩ። እቲ ናይ ጽባሕ ተረካቢ ሃገር ዝኾነ መንእሰይ ወለዶ ብዝለዓለ ብቕዓት ተኸሺኑን ተዳልዩን ከምኡውን ካብቲ ቀጻሊ ዝኾነ ስነ-ፍልጠታዊ ግስጋሰ ሰኒቑን፤ ካብቲ ዓውሎማዊ መኽዘን ፍልጠት ከምቲ ዝድለ ተቛዲሱን፤ ካብኡ ተጠቒሙን እንተዘይዓብዩ፣ ብቕዓቱ ይውሕድ፣ ዝገብሮ ኣስትዋጽኦ እውን ምህሙን ይኸውን።  ነተን ወለዱ ዝሃነጽሉን ዘጽንሑሉን ንኣሽቱን ስድራ-ቤታውያን ትካላት ብዝያዳ ኣማዕቢሉን፣ ኣህጢሩን፣ ኣስፊሑን ኣብ ሃገራዊ ቁጠባዊ ህንጸት ፍሩይ ኣስተውጽኦ ክገብር ዕድላትን ተኽእሎታትን ይስእን። ብዝኾነ መንገዲ ድማ ኣየድምዕን። እዚ ማለት  ከም ወዲ ሃገር መጠን ኣብ ገዛእ ሃገሩ ዓብሊሉ፣ ነቲ ማሕበረ-ቁጠባዊ ጸጋታት ናይ ሃገሩ ከምቲ አብ ኩለን ሃገራት ዝድለ ብላዕለዋይ ኢድ ወኒኑን ኣማሓዲሩን ክነብር ኣይክእልን። ብዘይ ምዃኑ እቲ ሳዕቤን  ንኽትሓሰቦ ዘሰቅቕ ኢዩ።

ንኻሎኦት (መጻእተኛ) ሰብ ዓቕምን፣ ገንዘብን ፍልጠትን ስብሒ ምድርኻ ኣረኪብካ ኣብ ገዛእ ዓድኻ አገለጋሊኦም ኮንካ ተረፍ መረፍ መኣዶምን፣ ርፍራፎምን ምልቃም ኢዩ እቲ ካልእ ተኽእሎ። ብተወሳኺ ነቶም በሃብቶም፣ ብትካላዊ መሃዝነቶምን ብሞያኦምን ትካላት ክምስርቱን፣ ክነብሩን፣ ክሰርሑን ምስ ዝመጽኡ ወጻእተኛታት ኣውፈርትን ሰብ ላዕለዋይ ሞያን ተወዳዲርካ ካብቲ ጸጋ ሃገርካ ተቛዳሲ ክትከውን ማለት ዘበት ኢዩ። ነዚ ኣንጸላልዩና ዘሎ ሕማቕ ውርሻዊ ተርእዮ (legacy) ንሃገሩን ንህዝቡን ዝሓልን ዝሓምምን ሃገራዊ ንደመኛ ጸላኢኡ እኳ ዝትምነዮ ኣይኮነን። ኣብ ገዛእ ዓድኻ ናይ በላዒ ስብሒ መሬትካ ተመልካቲ ምዃን ማለት መሪር ሓሞት ብሰፍነግ ምስታይ ኢዩሞ ካብዚ ናይ ዘመናዊ ባርነት ሂወት ኣብ ገዛእ ዓድኻን መረበትካን ይሰውረና ኢዩ ዘብል። እወ ሕማቕ ውርሻዊ ተርእዮ የንጸላልወና ኣሎ። ነዚ ዘንጸላልወና ዘሎ ዘሕዝን ናይ መጻኢ ተርእዮ ክንቋጻጸሮን ከንውሕዶን ንኽንክእል ሕጂ ብሓባር ምስ ሓፋሽ ህዝብና ኮይና ንትልሞን ንገብሮን ወሳኒ ቅድመ ኩነት ኢዩ።

እዛ ዓለምና ኣዝያ እንዳጸበበት ትኽይድ ኣላ። ህዝቢ ዓለም ነንሕድሕዱ ይራኸብ ኣሎ ኣብ ኩሉ ዓውድታት ማለት ኢዩ። ንኣብነት ብቁጠባ፣  ብማሕበራዊ ናብራ፣ ብፖለቲካ፣ ብተክኖሎጂካዊ ስነ-ፍልጠትን፣ ብባህሊ፣ ብዶብ ኣልቦ ሓብሬታዊ ተክኖሎጂ፣ ከምኡውን ብኻሎኦት ወሰንቲ ረቛሒታት። እወ ሳላ ዘቀራርበና ዘሎ ዘይተኣደነ ዓውሎማዊ ናይ ሓበረታ ተክኖሎጂ፣ ኩሉ ዜናታትን ፍጻሜታትን ዓለምና ብደቓይቕ ኣብ ነፍሲ ወከፍና ንኽብጽሓና ኩሉ ትኽእሎ ኣሎ።

ፍልጠትን ሞያን ብቐሊሉ ኣብ ኮምፒተርና ከም ወሓዚ ዛራ ይመጻና ኣሎ። ኮነ እልካ ብመንግስታዊ ምሕደራ እንተ ዝይተሓጺሩ ወይ እንተ ዘይተደልዩ ሎሚ ፍልጠት ንምድላብ ብዙሕ ዘኽፍሎ ዋጋ የብሉን (knowledge is cheap and ubiquitous everywhere)።  እቲ ለይትን መዓልትን ክንሓስቦ ዘለና ከም ህዝቢ ድማ፣ ካብዚ ዓርሞሸሻዊ ስልጣነን ዕብየትን ከምቲ ዝድለ ከመይ ጌርና ንቋደስን ንኸስብን ኢዩ። ብኸመይ ጌርናኸ ናብ ረብሓና ክንቅይሮ ንኽእል ኢልና ብጻዕቒ ክንሓስብን ብውልቃዊ ይኹን ብእኩብ እቲ ጻዕርናን ተባላሓትነትናን ናብ ቅርዓት ከነውጸኦ ንኽእል ኢልና ክንሓትት  ኣሎና። ዛጊት ኣይካኣልናን ዝሕታለና’ውን ወሰን ኣልቦ ኮይኑ ኣሎ። እዚ ድማ ብሰንኪ ናይ መንግስታዊ ምሕደራ ጉድለታት፣ ብቑዕ ሰብ ኣብ ብቑዕ ቦታ ዘይምህላው፣ መጠኑ ዝሕለፈን ዘየድልን ቊጽጽርን ብዘምጸኦ ዘይንቡር ኩንታትን ኢዩ። እዚ ጐዳኢ ሰብ ሰርሖ ኩነታት ዘምጸኦ ዘሎ ሳዕቤናት እውን ብግሉጽ ንርእዮ ኣለና። ህዝብና ብኹሉ መለኪዕታት ንድሕሪት ተመሊሱ። ዝጠፍአ ዕድላትን ክሳራታትን ደረት ተሳኢኑዎ።  ንኣብነት ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ፣ ንኣሽቱ ስድራ-ቤታዊ ትካላዊ መሃዝነት ድማ እቲ ቀንዲ ብልጫናን ተዋዳዳሪ ብሉጽነትና ከንርእየሉን ብዘየላቡ ብቐዳምነት ከነማዕብሎ ዝግባእ ቁጠባዊ ጽላት ኢዩ። ልክዕ ከምቲ ኣብ ካልእ ሃገራት ብሰፊሑ ዝተራእየን ዕውት ውጺኢት ዝሃበን ዝህብ ዘሎን ንሕናውን  ምረባሕናሉ። ብኣንጻሩ፣ ረሚስናዮ፣ ኣዛሕቲልናዮ፣ ኣብነት ናይ ሕማቕ ሓድጊ ካኣ ንኸውን ኣሎና።

በሰላ ናይዚ ሕማቕ ሓድጊ ድማ ከምቲ ሓደ ካብ መራሕቲ ኣፍሪቃዊ ሃገራዊ ባይቶ (African National Congress or ANC) ሲርል ራማፖዛ ሕጂ ምኽትል ፐረዚዳነተ ሃገረ ደቡብ ኣፍሪቃ ዘሎ ዝበሎ ኢዩ። እጠቅስ፡-

“ነቲ 400 ዓመታት ዝተወጸዔ ግን ከኣ ብቁጽሪ ዝዓብለለ ጸሊም ደቡብ ኣፍሪቃዊ ህዝቢ ብቁጠባ ምሕያል (Economic Empowerment) ዘሸግረና ኣይኰነን። እዚ እቲ ዝቐለለ ኢዩ። ንዓና እቲ ዝዓበዬ ብድሆ ኮይኑና ዘሎ፣ እቲ ንኣስታት አርባዕተ ክፍላተ ዘመን (ኣርባዕተ ሚእቲ ዓመታት) ዝኣክል ነቲ ምስኪን ጸሊም ደቡብ አፍሪቃዊ፣ ምሉእ ሰብ ኣይኮንካን፣ ንዓና ንጸዓዱ ከተገልግል ኢኻ ተፈጢርካ፣ ቁጽሪ፣ ሳይንስ፣ ወዘተ  ንክትማሃር ብተፈጥሮ ኣይተዓደልካን፣ ፍርቂ ወይ ሓውሲ ሰብ ኢኻ፣ ብስነፍስጠት ተዓጅብካ ክትምህዝን ከተማዕብልን ዘኽእል ዓቕሚ ክትውንን ብተፈጥሮ ኣይተዓደልካን፤ እንዳተባህለ ብቀጻሊ ዝኾነ ሰራምን ነውራምን ስነ  ኣእምሮኣዊ ዘመተ ዝተሓጽበን፣ ዝተዳህለን ከምኡውን ወኑን ርእሰ-ተኣማንነቱን ከምዘጥፍእ ንዝተገብረ ህዝቢ፣ ሱር በተኻዊ ብዝኾነ መንገዲ ነዚ ክፉእ ውርሻዊ ተርእዮ ኣወጊድካ ብኸመይ ርእሰ ተኣማንነቱ ትመልሰሉ ኢዩ።”

እዚ ማለት  ካብቲ ጻዕዳ ዜጋ ብዘይንእስ ከድምዕን ክዳረግን  ይኽእል ኢየ ኢሉ ብምሉእ ርእሰ ተኣማንነት ምእንቲ ክነብር ኢዩ ዝመክር ዘሎ። እዚ ንዓናውን ዓቢ ምኸሪ ኢዩ። ሕማቕ ውርሻዊ ተኽእሎ ነቲ ዝመጽእ ወለዶ ዓንቃፍን ጐዳእን ኢዩ። እዞም ዘመሓድሩና ዘለው ድማ ዝበልናኩም ግበሩ ወይ ጽደፉ (Our way or the highway)።, ንሕና ኢና ካኣልቲ  ኩሉ፣ ካባና ዝበልጽ የልቦን። ሕሉፍ ተመኩሮና ዝበለጸ ኢዩ። ተኣምር ንሰርሕ ኣሎና፣ ምባል እንተ ኣጉደልናዮ ወይ እንተገደፍናዮ እቲ ዝበለጸን ዝሓሸን ኣማራጺ ኢዩ። ዳናሚካዊ መስርሕ ክንጎስዮ ዘይንኽእል ግድነታዊ ሕጊ ኢዩ’ሞ ንከተሎ። ምስ ቀጻሊ ለውጥታት ኣሳራርሓናን፣ ምሕደራናን፣ ነብስናን ንለውጥ ነማሓይሽ። ካልእ ኣማራጺ የልቦን ብጀካ ንነብስኻን ንህዝኻን ምጉዳእ።

ጸጋታት ኤርትራ

ኤርትራ ኣይኮነን’ዶ ነዚ ውሕድ ህዝባ ዝኸውን፣ ንኻልእ’ውን  ምኻኣለት። ብክሊማኣ፣ ብጂኦግራፊካዊ ኣቀማምጣኣ፣ ብዕቑር ጸጋታታ፣ በቲ ካብ 1200 ኪሎ ሜተር ዘይንእስ ካብ ሽሕ ንላዕሊ መራኽብ ንመዓልቲ ዝማላለሳሉ ስትራተጂካዊ ኣፍደገ ባሕራ፣ ካብ ኩሉ ድማ በቲ ዝተመስከረሉ ህርኩት ህዝባ ኣብዚ ዝሓለፈ 26 ዓመታት ካብቲ ዝነበረቶ ካብ 20 ዕጽፊ ንላዕሊ ክትምዕብል ኔሩዋ። ተደጋጊሙ ዝዋሃብ ምኽንያት ኣሎ። እዚ  ፍሉጥ ኢዩ። ልኡላውነትና ከነውሕስ ኣሎና ብቐዳምነት፣ ሃገር ካብ ባዶ ኢያ ጀሚራ፣ ወዘተ፣ ወዘተ። ሓፋሽ ህዝቢ እንተድኣ ዕድል ሂብናዮ፣ ኣብ ከም ሰንሰለት እናተታሓሓዘ ዝኽይድ ብደሆን፣ ቀጻሊ ሽግርን፣ ማሕንቖን ኣይምኣተናን። እቲ ሽግር ኤርትራ ናይ ኩሉ ህዝቢ ኤርትራ ምዃና ምርሳዕ ዘምጸኦ ሽግር እውን ኣሎ። ኩሉ ህዝቢ ኤርትራ ንሃገሩን መረበቱን ካብ ኩሉ ንላዕሊ ይሓልን ይሕልውን፣ ይፈቱን ምዃኑ ኣይንረስዕ። ኣብ ካለኦት ሃገራት ብኸምዚ ናይ ኤርትራ ዝሓለፋ ብሓንቲ እምኒ ክልተ ሽቶታት እንዳወቕዓ ኢየን በጺሔንኦ። ኣብነተን ንከተል። ከም ባዓል ጀርመን፣ ሲንጋፖር፣ ኮረያ፣ ሊባኖስ፣ ወዘተ ህልዋት ምሰክር ኢየን። ሎምስ ኣብ ኩለን ዝምዕብላ ዘለዋ ሃገራት እኳ እቲ መንግስታዊ ምሕደራአን ብመሳልል ምሕደራዊ ማሕውራቱ ኣቢሉ ማለት ካብ ሃገራዊ ባይቶ ጀሚሩ፣ ካቢነ ምኒስተራት እንዳበለ ስጋብ እቲ ዝተሓት ንኡስ ዞባዊ መንግስታዊ ምሕደራ ብግሉጽ ብመራኸቢ ሓፋሽ በቲ ዝግባእ መንገዲን ዲሞክራሲያዊ ኣገባብን ተግባራቱን ውጥናቱን ብዕሊ የፍልጥ ይትንትን፣ ይገልጽ ከምኡ’ውን ምኽሪ ካብ ሓፋሽ ይሓትትን ይጽበን ኣሎ። እዚ ልሙድ ተርእዮ ኢዩ ኣብዚ ጊዜ እዚ።

መንግስትን ዜጋታትን ንዕቤት እዘን ትካላት ክገብርዎ ዝግባእ

ሎሚ ኣብ መበል 21 ክፍለ ዘመን ኢና ንነብር ዘሎና። እዛ ዓለም ብፈጣን ዳናሚካዊ መስርሕ ትሓልፍ ኣላ። ተክኖሎጂካዊ ምዕባለ ወርሓዊ ተርእዮ ኢዩ። ዓለምና ኣዝያ ትጸብብ ኣላ። ህዝቢ ኣብ ወሳኒ ጉዳይ ሃገሩ ብዝለዓለ እጃም ተኻፋሊ ክኽውን ርሒብ (ገፊሕ) ኣፍደገ ወይ ማዕጾ ክኽፈተሉ ኣለዎ። ካብዚ ወጻኢ ዘሎ ምሕደራን ኣካያይዳን ምኽንያት ናይ ዘይተኣደነ ህዝባዊ ፍልጠትን ኣስተዋጻኦን ምኽሳር ኣዩ። ሃገራዊ ልምሰት ድማ የስዕብ። ብፍላይ ኣብ ዝተፋላለያ ሃገራት ኣብ ስደት ዘሎ ህዝብና  ካብቲ ዝነብረሉ ከባቢ ክጥቀም ኣብ ኤርትራ ርእሰ-ማል ከውፍርን፣ ወዘተ እንተ ንጽዕረሉን ሰሓቢ ሃዋሁው እንተ ንፈጥረሉንስ ክንደይ ርብሓት ምኾነ ንኤርትራ። እቲ ዝነበረና ብልጫታትና እውን ነበረያ ነበረ ኣምበይ ምስኮነን። ከምቲ ኣቶ ተወልደብርሃን ገብረ ብብስለትን ውድዓውነትን ዝበሎ፣ ንህዝብና ምቹእ ባይታ እንዶ እንፍጠረሉ። ኣብ ዓመት ሚልዮናት ዘይኮነ ቢልዮናት ርእሰ-ማል ናብ ኤርትራ ምውሓዘ ኔሩ።

ብፍላይ ኣብ ደገ ዘሎ ዓቢ ክፋል ህዝብና ካብታ ዝረኽባ ሓንቲ ዶላር፣ ፍርቃ ናብ ኤርትራ ሰዲዱ መዋፈራ። ብሕታዊ ትካልና እውን ብተዓጻጻፍነት ምደንፈዐ። ህዝብና እውን መሃዝን ቀጻልን ሃገራዊ ቁጠባ (creative economy) ናይ ምህናጽ ክእለት ብዝበለጸ መጥረየ። እስከ ንሕሰቦ እሞ። ኣብዝሓለፋ 26 ዓመታትሲ ክንደይ ህንጻ ምስተሃንጸ? ክንደይ ትካላት ምስተተኽለ? ክንደይ ቁጠባዊ ምዕባለ ምስተራእየ? ክንደይ ሆቴላትን ናይ ቱሪዝም ትካላት (ናይ በጻሕቲ ሃገር መስሕብ) ምስተጣየሰ? ክንደይ ብቁዕ ኣብያተ ትምህርትታትን ሞያዊ መሰልጠኒ ትካላት ምስተመስረተ። ክንደይ መንእሰያት ሰብ ዋኒን ወይ ወነንቲ ትካል (national entrepreneurs) ምስተጫጭሑ? ክንደይ መንእሰያትና ተእምር ምሰርሑ?  እዚ ኩሉ ከሎስ ቁርብ ቁራቦ ወርቂን በሩርን ክንረክብስ ጐዳጉዲ ምኹዓትን ከባቢያዊ ብከላ ምፍጣርዶ ምሓሸና (environmental degradation due to mining residuals)። ንሕሰበሉ ድኣ። ንህዝቢ ኤርትራ ንፈቱን ንሓዋሩ ነቲ መንእሰይ ወለዶ ንሓስብ እንተድኣ ኮይና፣ ነቲ ዘይንቡር ናብ ንቡር ንኽንመልሶ ድኣ ንጽዓር እምበር ከም ኣብ ንእሽቶይ ጥርሙስ ዝኣተው ዓሳ ፈንጠርጠር ምባል ውዒሉ ሓዲሩ ጎዳእን ኣብራስን ምኻኑ ንፍለጦ።

ናይ መዋእል ዓንኬል  ዳናሚካዊ መስርሕ (life cycle dynamic process) ኣብ ኩሉ ኣሎ። ግድነታዊ ኢዩ ድማ። ስለዚ ግድን እቲ ዝኣረገ ብሓድሽ ክትካእ፣ እቲ ዝሓመቐ ብዝሓሸ ክቕየር፣ እቲ ኣብቲ ግዜኡ ኣድማዕን ብቑዕን ዝነበረ ድማ በቲ ናይ ሕጂ ወድዓዊ ኩነታት ዝጠልቦ ክቕየርን ክመሓየሽን ዘይገሃስ ናይ ተፈጥሮኣዊ ዲያለክቲካዊ ሕጊ ኢዩ ። ዘይቅየር ተሞክሮና እንዳበልካ ካብ ምስ ዘይተርፍ ተፈጥሮኣዊ ናይ ለውጢ ሕግታት ምግጫውን ኣብ ነብስና፣ ህዝብናን ሃገርናን ብቐሊሉ ዘይሓውን ዘይጠፍእን ጉድኣት ካብ ምምጻእ በሰላ ካብ ምግዳፍን ዝሓሸ እንተገበርና ይምረጽ።

በቲ ተባዕ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ንመሰል ርእሰ ውሳኔ ኤርትራ ነጻ ካብ እትኽውን እነሆ ናብ 26  ዓመታት ይገማገም ኣሎ። ብመንጽር ብምሉእ ሓይሉ ብናይ መንኮርኮር ፈጣን ምዕባለ ንዝምርሽ መንግስትን ህዝብን ሃገርን 26 ዓመታት ቀሊል ኣይኮነን። ብዙሕ ኣድማዒ ስራሕ ክስርሓሉ ይካኣል ኢዩ። እኹላትን ውድዓውያንን ዝኾኑ ተሞኩሮታት ኣብዛ ዓለምና ኣለው። ንኣብነት ሃገረ ጀርመን ናይዚ ዳናሚካዊ መስርሕ ዓባይ ምስክር ኢያ። ከምዝፍለጥ፣ ብሰንኪ ነዊሕ ጊዜ ዝወሰደ ካልኣይ ውግእ ዓለም (1939 -1945)፣ ኣብ ዓለምና ብኹሉ ሸነኻቱ ዝወረደ ሰብ-ኣዊ ይኹን ንዋታዊ ዕንወት መዳርግቲ የብሉን። ብፍላይ ብተሰዓርነታ ምኽንያት ኣብ ጀርመን ዝወረደ ሰብኣውን፣ ንዋታውን፣ ስነ-ኣእምሮኣውን ዕንወት መዳርግቲ የብሉን። ብኣሃዛት ክግለጽ ዝከኣል ኣይኮነን። ዳርጋ ህላዌ ናይ ሃገርን ህዝብን ኣብ ከቢድ ፈተናን ምልክት ሕቶን ዘእቱ ኢዩ ኔሩ።

እስከ ቁሩብ ኣብነታት ክጠቅስ። ብሰንኪ ኲናት ሰማንያ ሚኢታዊ ትሕተ ቅርጺ ጀርመን ፈጺሙ ዓንዩ። ብፍላይ ኣብተን ዓበይቲ ከተማታት ጀርመን ዝወረደ ዕንወት ዝገደደ ኢዩ። ከም በዓል በርሊን፣ ሃምቡርግ፣ ድረስደን፣ ወዘተ፣ ዝኣመሰላ ህቡባትን፣ ዓበይትን፣ ምዕቡላትን ከተማታት ዳርጋ ፈጺመን ዓንየን። ካብ ዓሰርተ ሽዱሽተ ሚልዮን ዘይውሕዱ ካብ ሰራዊትን ገባርን (civilians) ተቐቲሎምን ጠፊኦምን። ሃገር ገዲፎም ኣበየ ኩርናዓት ዓለም ዝተበተኑ ቁጽሪ የብሎምን። ዝኸፍአ ድማ ካብ 30 ሚልዮን ንላዕሊ ካብተን ናይ ቀደም ዓሌት ጀርመን ዝነብሩለን ሃገራት ኣውሮጳ (ከም በዓል ዩክርይን፣ ሩማንያ፣ ወዘተ) ብዓቢኡ ድማ ካብተን ብወገን ምብራቕ ዝነበራ ከም ባዓል ምብራቕ ስልዝየን፣ ሱደተን ላንድ ዝባሃል ናይ ጀርመን ግዝኣታት ነበር ናብዚ ሕጂ ዘሎ ግዝኣት ጀርመን ብዘይ ሓንቲ ንብረት ተሰጒጎም። ንዕኦም ንምጥያስን ምስፋርን ናይ ስራሕን ስልጠናን ዕድላት ንምሃብ ኣብ ዝባደመ ሃገር ቀሊል ኣይነበረን።

እቲ ዘገርም ድማ እዛ ሕጂ ዘላ ጀርመን ክልተ ሲሶ እታ ቅድሚ ኲናት ዓለም ዝነበረት ጥራሕ እያ። እቲ ዝተረፈ ተጨራሪሙ ተወሲዱ ኢዩ። እቲ ዝኸፍአ ድማ እታ ዝተረፈት ግዝኣት እውን ናብ ክልተ ተመቒላ ምብራቕ ጀርመንን ምዕራብ ጀርመንን ዝተባህላ ክልተ ተተፋነንቲ ልዑላውያን ሃገራት ተፈጢረን። እቲ ካልእ ዘገርም ነገር ካኣ ካብ 1945 ስጋብ 1970 ዘሎ ጊዜ ፈሪሱ ዝነበረ ሃገር ዳግም ብምሉእ ተሃኒጹ። ብኸመይ ድኣ ኣብ ሓጺር ግዜ እዚ ኩሉ ተዓሚሙን ተጣይሱንስ ተኣምራታዊ ዝኾነ ሃገራዊ ቁጠባዊ ሓይሊ ድማ ትሃኒጹ? እዚ ንዝሰምዖ ሰብ መስተንክር ኢዩ። ብዛዕባ ማርሻል ፕላን ብዙሕ ይዝረብ ኢዩ። እንተኾነ እተን ዝተዋህባ ሓገዝ ካብ 13 ቢልዮን ዶላር ኣሜሪካ ዘይበዝሓ ኢየን። እቲ ወፈያውን እውን ንምሉእ ኣውሮጳ ኢዩ ተኸፋፊሉ። እቲ ሓገዝ ዘይነዓቕ ኣስተዋጽኦ እኳ እንተገበረ፣ እጃሙ ካብ 5-8% ዝሓልፍ ኣይነበረን። ዳርጋ እቲ ኩሉ ኣስተዋጽኦስ በቲ ኣብ ጀርመን ቅልጡፍን ተኣምራታውን ቁጠባዊ ምዕባለ ንምምጻእ ዝተገብረ ብዘይ ተኣደነን ዘይተደረተን ምህዞን፣ ተባላሕትነትን ዝተሰነየ ጽፉፍ ፖሊቲካዊ፣ ቁጠባውን ማሕበራውን ምሕደራ ምሕደራ ዝተኸተልዎ  ውጽኢት ኢዩ። ካብ በዓል ሉድቪግ ኤርሃርድን ቻንስለር ኣደናወርን ዝኣመሰሉ ብቑዓትን ተባላሕትን መራሕቲ ብዝሓንጸጽዎን ብዘማሓደርዎን ብዝተግበርዎን ወፍርታትን፣ ነቲ ዝርካቡ ትሕዝቶን ጸጋታትን በቲ ዝለዓለ ብቕዓት ሰለ ዝተጠቕምሉን ኢዩ። ብኻልእ ተኣምራት ኣይኮነን። ብፍላይ ብዝላዓለን ዝማዕበለን ዓቐን ንህዝቦም ነንሕድሕዱ ከም ዝማሃሃርን ከም ዝስልጥንን ስለ ዝገበሩ እውን ኢዩ። ከምኡውን ንጡፍ ናይ ሓፋሽ ተሳታፍነት ኣብ ኩሉ መዳያዊ ዕማማት ስለ ዘውሓሱ። ነቲ ናይ መንእሰይ ወለዶ ዓቕሚ ንምዕባይ እውን ብዙ ጻዕርን ሰብኣዊ ወፍርን ስለ ዝገበሩ ኢዩ። ካብ ኩሉ ብዝበለጸ ድማ ንቐጻሊ ቁጠባዊ ዕብየትን ምዕባለን ኣገዳስነት ንናኣሽቱ ስድራ-ቤታውያን  ትካላት ዕዙዝን ልዑልን ኣተኩሮት ሂቦም ስለ ዝሰርሑሉን ዝተዓውትሉን ኢዩ። እተን ንኣሽቱን ስድራ-ቤታውያንን ትካላት ኣብ ዝለዓለ ብርኪ በጺሔንስ መለለዪ ኣንዱስትራያዊ ሓያልነት ሃገረ ጀርመን ኮይነን ይርከባ (The German small industries are the backbone of the German industrial strength and creative economy)።

መደምደምታ

ኣብዚ ግድን ነዞም ንኤርትራ ዘማሓድርዋ ዘለው ብቐንዱ ክርደኦም ዘሎዎ ድማ ሓፋሽ በቲ ዝድለ ስፍሓትን ዕምቈትን ዘየሳተፈ መንግስታዊ ምሕደራ ብዙሕ ናይ ሃገር ምዕባለ ዝሕትልናን ጉድኣትን ከምዘምጽእ ኢዩ። ዓይኒ ሓፋሽ ህዝቢ ዓይኒ ምስሪ (ኢግል) ኢዩ። ልቢ ህዝቢ ካብ መዓሙቕ ውቅያኖስ ይስፍሕ። ፍልጠትን ብስለትን ሓፋሽ ህዝቢ ሪቕ ኢዩ ከም ማይ ባሕሪ ደረት ኣልቦ። ነዚ ጎስዮም ንሕና ዝበልናኩም ግበሩ ዝብል ሕመረት መሪሕነት መንግስቲ ከም ኣብ ሑጻ ዝተሃንጸ መንበሪ ገዛ ኢዩ። ሓፋሽ ኣሳታፊ ዝኾነ ስትራተጂካዊን፣ ሓይለ ዕማማዊ ከምኡውን ግብራዊ ዝኾነ መንግስታዊ ምሕደራ ኣድላዪ ጥራይ ዘይኮነስ ግድነታዊ ኢዩ። ክልተ ምርጫታት ኢየን ኣብ ቅድሜና ተገቲረን ዘለዋ። እዚአን ድማ፡- ወይ ነቲ ዝመጽእ ወለዶ ዝጠቅም ስራሕን ተመኩሮን ገዲፍካ ምሕላፍ ወይ ድማ ብድሕረይ ሳዕሪ ኣይትብቆል ዝሕመረቱ ሕማቕን ሃሳይን ሓድጊ ምግዳፍ። ንህዝቡ ይሓልን ይፈቱን ዝብል መንግስታዊ ምሕደራ ነታ ቀዳመይቲ ምርጫ ኢዩ ዝደሊ። ግን ድልየትን ክውንነትን ነንበይኖም ክኾኑ የብሎምን። እዞም ዘማሕድሩና ዘሎው ነዚ ብዕቱብ ክሓስቡሉ ንላበዎም። በጃኹም ምእንቲ እቲ መንእሰይ እቲ ዘይንቡር ናብ ንቡር ምለስዎ። ሃገርን ህዝብን ምፍታው ድማ በዚ ዕቱብነት ኢዩ ዝምዘን።

ምስ ሰናይ ትምኒት ንሕዝቢ ኤርትራ

8 thoughts on “ኤርትራ፡- በሰላ ምድኻም ንኣሽቱን ስድራ-ቤታውያንን መስራሕቲ ትካላት

  1. Respected Mr Telweld

    “ብህላዌ ሰናይ ድሕረ-ባይታ ንዋኒነ ንግድን መሃዝነትን ኤርትራውያን ኣብ ዝምልከት ጉዳይ ብዙሕ ጊዜ ዝደጋገም ብሂል ኣሎ። ብፍላይ ኣብ ጐረባብቲ ሃገራት ከም ባዓል ኢትዮጵያ፣ ሱዳን፣ ኬንያ፣ ኣንጎላ፣ ኡጋንዳን፣ ወዘተ ብዙሕ ይነጥፉን ኣብ ብዙሕ ትካላዊ ዋኒናት ይዋስኡ ኔሮምን ኣለውን ተባሂሉ ብኹርዓት ክንገርን ክጋዋሕንንሰምዕን ንዕዘብ ኢና። ብመንጽር ንህዝብና ዝህቦ ጠቕሚ ክምዘን ከሎ ግን ብዙሕ “, where did you get this ward can you elaborate me from which dictionary of Tigrigna you got the ward ክጋዋሕን and ዘ ? when you say ዘ in Tigrigna if I am right did you mean zehzin ?

    Like

    • Afewerqi – do you think Tigrigna dictionaries have them all or you have an alternative for the word “ምግዋሕ”? “ዘ” cannot get it. For me ምግዋሕ is ዓው ምባል – ምዝራብ- ብዘይ ተዓቅቦ ከም ዝስማዕ ምግባር- ይመስለኒ። ግን ጻሓፊኡ ትርጉሙ ዝያዳ ይነግረና ይኸውን።

      Like

      • ጽቡቕ ኣለኻ ተወልደ፥

        ምግዋሕ is ዓው ምባል – ምዝራብ- ብዘይ ተዓቅቦ ከም ዝስማዕ ምግባር- ይመስለኒ። ግን ጻሓፊኡ ትርጉሙ ዝያዳ ይነግረና ይኸውን።

        ህላዌ ሰናይ

        Like

  2. ኣንታ ተወልደ እቶም ዕድል ረኺቦም ናቶም ትካል ወይ ድካን ዝገበሩ ሓንቲ ዝገበርዋ ንሪኦም ዘለና ካብ ዱባይ ቀንጠመንጢ ኣቁሑት የምጹ ንዐዐን ይሸጥወን ነተን ዝረኣኸብወን ናቅፋ ኣብ መገዲ ናብ ዶላር ይቅይርወን ካልእ ቀንጠመንጢ ከኣ የምጹ ። ነዝኣ ዲኣካ ማሃዝነት ትብላ ዘለኣኻ? እዝኣስ ከመይ ገይራ እያ ዓዲ ከተማዕብል ? ነተን ዘይጠቅማ ናይ ወጻኢ ሸርፊ ዘለዋኣኻ ጋዕሚማ ጋዕሚማ ተጥፍእ እምበር
    ዘይትፈልጦ ተኾንካ እዚ ከኣዩ ምሕሻሽ ዝብሃል። እዚ እስኻ ትጽሕፎ ዘለኻ ትዮሪ ኣብተን ዘይ ድሩት ናይ ወጻኢ ሸርፊ ዘለወን ሃገራት ጥራሕ እዩ ዝሰርሕ። እቲ ብዛዕባ ጀርመን ዝበልካዮ ኸኣ ጀርመናውያን ድሕሪ እቲ ኩናት ንሃገር ምህናጽ ተባሂሉ ብዘይ ክፍልት ብዙሕ ሰሪሖም እዮም (ኣገልግሎት) ነዚ ኸኣ እስኻ ኣይትድግፎን ኢኻ ዋላስ ኣብ ኤርትራ ጥራሕ ኢኻ ዘይትድግፎ።

    Like

  3. As it is said——- Those Who Do Not Remember The Past Relive It—-. What has been unraveling in Eritrea for the last twenty five years under the isaias afewerk and his cabals is a repeat of what the fascist Italians and the Amhara pseudo-chauvinists attempted but failed to rid Eritrea of it’s population; t he former failed because they were defeated by the Allied Forces in the 2nd world war, and the later, by the EPLFs gallant warriors. We must never be fooled by his false patriotism; his evil products of twenty five years are too big for any body to miss.

    The objective of the fascist Italians was to completely replace our indigenous population by Italians through effectively denying them the opportunity to reproduce. To that effect, they rounded up all young males and sent them to be exterminated as canon fodders in their war of expansion. On the other hand, the young females were relegated to grow old ,unmarried and childless, as slaves of the fascist Italian households.

    The intent and purpose of the Amhara pseudo-chauvinists on our indigenous population was not different, as attested by the expressed words of king haileselase---- We do not need the Eritrean people but their land-----.  During the sham federation, the king undertook measures  to economically  strangulate Eritrean federal government by, among others,  withholding it's  budget , shifting Port activities from. Massawa to Aseb etc. This economic crunch was intended to imasculate the Eritrean  federal government so the people would abandon it in favor of direct rule by Ethiopia. 
    
    While the  Ethiopian government was systematically ruining the Eitrean federal government, it was also directly or indirectly forcing the Eritrean industries  to close down their doors and translocate to Ethiopia along with their labor forces. The closures and translocations were accelerated to completion soon after Ethiopia annexed Eritrea  by force illegally. There was a song at the time highlighting the agony those workers  who refused to go Ethiopia were going through----Mariam Telemenye Mariam Telemenye Gobez YnebE Alo Ab Marshabedi Queynuye----
    
     And let's please remember, as some gullible and misguided Eritreans are standing by isaias afewerk decimating the country and it's people, there were also Eritreans who were doing the same thing for the Italian fascists and Amhara pseudo-chauvinists. I bet there were also some who stood by the  Turkeys and Egyptians Invaders. As long as they get  material benefit, they are ready to sell themselves for the highest bidder. As we say---kab Busul Tre, Kab Ekli Krdad Aysaann Eu.
    

    Like

Comments are closed.